Tesfazghi Kifle
|
[Print version] |
Remembering unique Eritreans in contemporary history
A
Short biographical sketch
Of
Tesfazghi Kifle
(the calsolayo)
By
Emnetu Tesfay
Stavanger, Norway
April, 2014 |
|
ጀጋኑና
ንዘክሮም
ሓጺር ታሪኽ ሂወት
ተስፋዝጊ
ክፍለ
ብስራት
(ካልሶላዮ)
ብእምነቱ ተስፋይ
ስታቫንገር: ኖርወይ
ሚያዝያ
፣ 2014 |
|
ትሕዝቶ ጽሑፍ
ተስፋዝጊ ክፍለ ብስራት መንዩ? |
|
ምፍራስ ፈደረሽንን
ሳዕቤናቱን |
|
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ትጉህ ፖለቲካዊ ተቓላሳይ |
|
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ግዳይ ኣርቲኮሎ
ዴቺ (Articolo Dieci)
|
|
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ሃይማኖተኛ
|
|
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ኣስራሕን ከም ተዋሳኢ
ኣብ ምንቅስቓስ
ሰራሕተኛታትን |
|
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ዘማራይ |
|
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ፍቱው ብዓል ዝና |
|
ተስፋዝጊ ክፍለ መን’ዩ?
ታሪኽ ህይወት ተስፋዝጊ ክፍለ ንምጽሓፍ እቲ
ውልቃዊ ሓቅታት (personal data) ንምርካብ ኣድላዪ ስለ
ዝነበረ እንተኾነ ክፍለጥን ክርከብን ስለ ዘይተኻእለ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ። ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ንምርካብን ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ
ምስኡ ዝነበሩ ወይ ድማ ሓበሬታ ዘለዎም ሓደስቲ ወለዶ ንምርካብ ኣብ ዓድን ኣብ ግዳምን ብዙሓት ሰባት ኣዋፊረ ግን ክርከቡ
ኣይተኻእሉን። እቶም ቁሩባት ዝተረኽቡ ድማ ሓበሬታ ዘይብሎም ስለ
ዝነበሩ፡
ዳርጋ እቲ ዝነበረኒ
ኣማራጺታት
ጠቕሊለ ክገድፎ ወይ ድማ እቲ ዝርካቡ ሓበሬታ ኣብ ጽሑፍ ምቕራበን እዩ ነይሩ። እንተኾነ
ኣብዚ
መወዳእታ
እዋን (ጥሪ/የካቲት 2014)
ንሓውቱን ንደቁን ክረኽበንን
ብቴለፎን ከዛርበንን
ስለ
ዝኸኣልኩ፡
ኣመና ተሓጕሰ:
እቲ ግላዊ ሓቅታት ክረኽቦን ክጽሕፎን
ድማ
ክኢለ ኣለኹ።
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ካልሶላዮ (ዓራያይ ጫማ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡
ኣብ ሓምሳታትን ስሳታትን ብርቱዕ ስምዒት ፍቕሪ ሃገርን ዘይሕለል ድሌት ቃልስን ዝነበሮ ሰብ’ዩ ነይሩ። ተስፋዝጊ ብ1935
ኣብ ዓዲ ወርሒ ትብሃል (ደጊዐን) ካብ ከተማ ዓዲቐይሕ ርሕቕቲ ዘይኮነት
ዓዲ
ተወሊዱ። ካብዚ ዓለም ዝተሰናበተላ ወርሒ
ድማ
ታሕሳስ 1977 ኣብ ከተማ ኣስመራ ኮይኑ ኣብ ሓዝሓዝ ተቐቢሩ። ሕማም ሽኮር ኣጥቂዓቶ
ከም ዝነበረት ምኽንያት ሞቱውን ከምዝኾነት ስድራቤቱ ይገልጻ። ተስፋዝጊ
ሓሙሽተ
ኣሕዋትን
ክልተ
ኣሓትን ነይሮሞ።
ኣስማቶም
ድማ መሓሪ፡
ጥዑምዝጊ፡
ሰሎሙን፡
ሃይለ፡
ኣማኑኤል፡
ማና፡
ትበርህ ይበሃሉ።
ሓሙሽተ
ቈልዑ
ነይሮሞ ኣስማቶም
ድማ ዘውዲ፡
ሩት፡
ሜሮን፡
ከንኣን፡
እስራኤል ይብሃሉ።
ተስፋዝጊ
ብንእሽቶኡ ናብ ኣስመራ
ድሕሪ ምምጻእ
ኣብ ጥቓ ሳንታ ኣና
ኣብ
ዝነበረ ቦናሮቲ ዝብሃል ቤትትምህርቲ ጥልያን ተማሂሩ። ቤትትምህርቲ
ቅድሚ
ምጅማሩ ካሮሳ ይዝውር ከም ዝነበረ ትበርህ
ሓውቱ
ተዘንቱ። ጫማ ምዕራይን ምስራሕን
ዝመሃሮ ሓደ ጥልያን እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ናይ
ገዛእ
ርእሱ
ትካል መዓረዪ
ጫማ ከፊቱ። ካብዚ እዋን’ዚ
ጀሚሩ’ዩ
ድማ
ተስፋዝጊ ካልሶላዮ (calsolayo) ክብሃል ዝጀመረ።
ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ከም ኣዝዩ ለዋህን ዘይቊጣዕን ዘይጋናሕን ሰብ ይዝክሩዎ። እታ ዓባይ
ጓሉ ብዙሕ የሐንቅቓ ከም ዝነበረ ትዝክር።
ዘውትር
ምቁር
ሕብስቲ
ይገዝኣላ ከም
ዝነበረን
ኵሉ ግዜ ድማ ናብ
ቤትክርስትያን
ሒዙዋ ይኸይድ
ከም ዝነበረ ትዝክር።
ንስድራቤቱ እቲ ዝበለጸ ጫማ ይሰርሓለን ከም ዝነበረ ትበርህ
ሓውቱ
ትገልጽ። ተዋዛያይ ከም ዝነበረ’ውን
ሓውቱን
ጓሉን ይገልጻ።
በዚ ሕጂ ደንጕየ
ዝረኸብኩዎ
ሓበሬታ
መሰረት
ተስፋዝጊ ክፍለ ኣዝዩ ንጡፍ ባህሪ
ዝነበሮ
(dynamic) ሰብ ምንባሩ ንምፍላጥ ኣይጸገመንን። ኣብ ሓደ ስራሕ፡
እምነት ወይ ዕላማ ምስ ኣተወ ተመሃራይ
ጸኒሑ
መምህር
ክኸውን
ግዜ ኣይወስደሉን ነይሩ። ካብ ቁሸት ናብ ከተማ፡
ካብ ምዝዋር ካሮሳ ናብ
ምዕራይ
ጫማ፡
ኣብ ናይ ፖለቲካን እምነትን
ጕዳይ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ዝለዓለ ምዕቡል ደረጃ ክሰጋገር
ምኽኣሉ ድማ
ናይቲ ዝነበሮ ንጡፍ ባህሪ
ዓቢ ምስክርነት
እዩ።
ስለዚ፡
ኣተኩሮ ናይዛ ጽሕፍቲ ኣብቲ
ተስፋዝጊ ክፍለ ንጡፍ ኮይኑ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ዝገብረሉ ዝነበረን፡
እቲ ዝነበሮ ፍሉይ ጠባይን
እምነትን ዘጠቓለለ ክኸውን እዩ። ተስፋዝጊ (ካልሶላዮ) ኣጸቢቑ ዝፍለጥ በቲ ኣብ
እዋን
ሓምሳታትን ስሳታትን
ኣንጻር ምፍራስ ፈደረሽን
ዝገብሮ ዝነበረ ቃልስን፡
በቲ
ጽኑዕ
ሃይማኖታዊ እምነቱን
እዩ። ነዚ ዝዝክሩዎ ሰባት
ክውሕዱ ይኽእሉ’ምበር ኣይተሳእኑን።
ኣብ ከምዚ ኵነታት፡
እተን
ዝርካበን
ሓበሬታ ምስቲ ኣነ ብንእሽቶይ ከለኹ ብዛዕባ ተስፋዝጊ ካልሶላዮ
ዝዝረብ ዝነበረን
ቍሩብ መዓልታት ድማ ብዓይነይ ዝረኣኹዎን እናዘከርኩ ነዛ ጽሕፍቲ ከዳልዋ መሪጸ። ብዝነበሮ ፍቕሪ
ሃገር፡
ድሌት ቃልስን ሕያውነትን ዘይፍትሓዊ ነገር ክርኢ ከሎ ዓቕሊ ከም
ዘይነበሮ ካብቶም
ውሑዳት ዝዝክሩዎ
ብህይወት ዘለዉ ሰባት
ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ተስፋዝጊ ክፍለ ኣዝዩ ፍሉይ ኤርትራዊ
ኮይኑ
ብፍቕሪ ዓዱን ብጽኑዕ እምነቱን
ፍሉጥ ነይሩ። ናይ ገዛእ ርእሱ
ትካል ምዕራይ ጫማታት ምስ ጀመረ፡
እቲ
ወቕቲ
ሃጸይ ሃይለሰላሴ ንፈደረሽን ኣውዲቑ ንሃገረ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ጻዕሪን
ውዲታትን ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን
እዩ ነይሩ። ተስፋዝጊ ክፍለ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ ዝነበረ፡
እቲ ቃልሲ ኣንጻር ምፍራስ
ፈደረሽን ብፖለቲካዊ ንጥፈታት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሃይማኖቱ ጽኑዕ ኮይኑ ንፈጣሪኡ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ መዓልታዊ ብመዝሙር ይውድሶን
ይልምኖን ምንባሩ እዩ። ተስፋዝጊ ክፍለ ህዝቢ ኤርትራ
ናጻ ዝኾነት ናይ ርእሱ ሃገር ኣቚሙ ባዕሉ ዓዱ ከመሓድር ዝደሊ ሰብ እዩ ነይሩ።
ነዚ ንምግባር ግን ኣብ ናይ ሰብ ድሌትን ዓቕምን ጥራሕ ከይተወሰነ ንእግዚኣብሄር ፈጣሪኡ ብመዝሙር እናወደሰን እናለመነን እዩ ቃልሱ ኣካዪዱ።
ኩላትና ከም ንዝክሮ ኣብቲ
ዝተኻየደ
ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ምስ ዝተፈላለያ መንግስታት
ኢትዮጵያ፡
ህዝቢ ኤርትራ
ንጕዳይ ሃይማኖትን እምነትን ኣወንዚፉ ወይ ንጐድኒ ኣቐሚጡ፡
ኣብ ናይ ርእሱ ዓቕምን ጥበብን ኣተኲሩ
ኣንጻር ዝተፈላለያ መንግስታት ተቓሊሱ
ነይሩ።
ንተስፋዝጊ ክፍለ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ንፈጣሪኡ ከይረሰዐን፡
ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኣንጻር ዉዲታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደገፍቱን፡
ውዳሴን ምስጋናን ልመናን እናተጠቕመ ቃልሱ የካይድ ነይሩ።
ተስፋዝጊ
ክፍለ ብብዙሕ መንገድታት ፍልይ ዝበለ ሰብ እዩ ነይሩ። ከምዚ ኣብ ዳሕራይ እዋን ዝተራእየ ማለት ብረታዊ
ቃልሲ ምስ ተጀመረ፡
ብዙሓት ኣብ ሜዳ ይኹን ኣብ ዓዲ ዝነበሩ
ኤርትራውያን
ኣብቲ ቃልሲ ምሉእ ኣድህቦን
ተሳታፍነትን ንምግባር እቲ ናይ ሃይማኖት
ጕዳይ ንጐድኒ ኣወንዚፎሞ
ነይሮም። ኣብቲ ተስፋዝጊ ንጡፍ ፖለቲካዊ ስራሓት ዘካዪደሉ ዝነበረ እዋን፡
ኣብ ሓምሳታትን ስሳታትን እቲ ዕማማት ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣንጻር ፈደረሽን ምፍራስን እቲ ዕማማት ናይ ሃይማኖትን እምነትን
ማዕረ ማዕረ ሒዙዎ እዩ ዝንቀሳቀስ ነይሩ። እግዝኣብሄር ድማ ኣብ
ጐድኒ እቲ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሎ ምሉእ እምነት ነይሩዎ።
በደል ህዝቢ ኤርትራ ናብ ፈጣሪኡ
ይጠርዖ ነይሩ።
ብሓጺሩ ተስፋዝጊ ካልሶላዮ ፈጣሪኡ ሒዙ እዩ ቃልሱ ዘካይድ
ነይሩ። ንፈጣሪ ኣብ ጽንኩር
ኵነታትካ ሓገዝን ሓይልን
ክህበካ ምዝማርን ምጽላዪን
ኣበርቲዑ ዝኣምነሉ
ጕዳይ እዩ ነይሩ። እቲ ቃልሲ ምክያድን ኣብ እምነት ፈጣሪኻ
ድልዱል ምዃንን ናይ ተስፋዝጊ መለለዪ ጠባይ እዩ ነይሩ።
ተስፋዝጊ ግን ኣብቲ ግዜኡ ናይ ፖለቲካዊ ቃልሲ እናካየደ ከሎ እቲ ናይ ሃይማኖት
ስራሕ ማለት ከም ምዝማር፡
ምጽላይ ኣይገደፎን ወይ ንጐድኒ ኣይኣለዮን ነይሩ።
በንጻሩ’ኳ
ደኣ
ክልቲኡ ማለት ናይ ርእሱ ቃልስን ናይ ፈጣሪኡ እምነትን
ኣቋራንዩ ዝኸይድ
ሰብ
እዩ
ነይሩ።
ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ግዳይ
ውዲት
ሃጸይ ሃይለሰላሴ
ብምዃን፡
ባህሉን ምዕባለኡን ኣጥፊኡ
ሃገሩ
ሓዳስ
ግዝኣት መስፍናዊት ኢትዮጵያ ክትከውን ትዳሎ ከም
ዘላ
ፈሊጡ
ቃልሱ እናካየደ፡
እግዚኣብሄር
ፈጣሪኡ
ድማ
ኣብ
ጐድኒ
እቲ
ዉጹዕ
ህዝቢ
ኤርትራ
ከም
ዘሎ
ብርቱዕ እምነት ነይሩዎ።
ተስፋዝጊ ክፍለ መስ በዓልቲ ቤቱ
ለተብርሃን
ኣብ ዕለተ መርዓኦም
ብኢድ ጸጋም ተስፋዝጊ ከም መንእሰይ ንጡፍ ናይ ፖለቲካ ንጥፈታት ዘካዪደሉ ዝነበረ እዋን ስእልታት የርእየና። ብኢድ የማን ድማ
ብዕለት 28.03.2014 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝብዕለት 28.03.2014 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተወስደ
ስእሊ ናይ
በዅሪ
ጓሉ ዘውዲ ተስፋዝጊ ንርኢ።
ምፍራስ ፈደረሽንን
ሳዕቤናቱን
የካቲት 1950 ብወዲ ቦሊቭያ ኤድዋርዶ ኣንዘ ማትየንዞ ዝምራሕ ጉጅለ
ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ መጺኡ ነይሩ። እዚ ጉጅለ ዕላማ ናይ መገሽኡ ምስ ኤርራውያን ጉጅለታትን: ማሕበራትን: ሰልፍታትን፡
ዉልቀሰባትን ተራኺቡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ መዝጊቡ
ጸብጻብ ንውድብ ሕቡራት
ሃገራት ምቕራብ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ብዙሕ ዝርአን ዘይርአን ዉዲታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቶም ካልኦት ሓያላት ሃገራትን
ይካየድ ስለ ዝነበረ ከምቲ ድልየት ናይቲ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፈደረሽን ተቛራንየን ክነብራ ዉሳኔ ተወሲዱ።
እቲ ፈደረሽን እንተኾነውን ነዊሕ ዕድመ ኣይነበሮን ስለምንታይ እቲ ዓንቀጻት ፈደረሽን በብሓደ እንዳጠፍአ ከይዱ
ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ፍጹም ምትሕንፋጽ ከም ትገብር ሃጸይ ሃይለስላሴ ይሰርሕ ስለዝነበረ። ተቓውሞ ወይ መልሰግብሪ ናይዚ እዩ
ድማ ናይ ፖለቲካ መራሕትን ፣ ሰራሕተኛታትን ፣ ተመሃሮን በብእዋኑ ሰልፍታት እንዳካየዱ ተቓውሞ የርእዩ ዝነበሩ። እቲ ተቓውሞ
ገሊኡ ብዕሊ ገሊኡ ድማ ብስቱር እዩ ዝካየድ ነይሩ። መበገሲ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ናይ ተስፋዝጊ ክፍለ ውን ኣብዚ እዩ ዝጅምር።
ተስፋዝጊ
ክፍለ
ከም
ትጉህ
ተቓላሳይ
ኣብ
መጋቢት 1958፡
ዝተፈላለያ
ማሕበራት
ሰራሕተኛታት
ኤርትራ
መሰላተን
ክሓታን
ኣንጻር’ቲ
መንግስቲ
ሃይለሰላሴ፡
ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣፍሪሱ
ኤርትራ
ምስ
ኢትዮጵያ
ክትሓብር
ዝገብሮ
ዝነበረ
ውዲት ንምምካት ናይ ስራሕ ደው ምባል
ኣድማ ኣካዪደን ነይረን።
እቲ
ተቓውሞ
እናሰፍሐን
እናበርትዐን
ምስ ከደ
ተመሃሮን
ወነንቲ
ትካላትን
ተሓወሱዎ።
ከም ሳዕቤን ድማ
ከተማ
ኣስመራ
ካብ
ኵሉ
ምንቅስቓስ
ተሓሪማ
ደው
ከም
ትብል
ኮነት።
እቲ
ስራሕ
ደው
ምባልን
ተቓውሞን
ካብ
ኣስመራ
ሓሊፉ
ናብ
ባጽዕ፡
ከረን፡
ደቀምሓረ
ዝኣመሰላ ዓበይቲ
ከተማታት
ኣስፋሕፍሐ።
እዚ ስእሊ ንጉስ
ሃይለስላሴ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሃገረ ኤርትራ ዝኣተወሉ ዘርኢ እዩ።
ኣብዚ
እዋን’ዚ
ተስፋዝጊ
ክፍለ
ኣብቲ
ምስፍሕፋሕ
ናይቲ
ተቓውሞ
ተራ
ከም
ዝነበሮ
ይግለጽ።
ኣብቲ
ፖለቲካዊ
ምንቅስቓስ
ዝግበር
ዝነበረ
ከም
ሰባት
ምውዳብን
ጐስጓሳት
ምክያድን፡
ጭርሖታት
ምድላውን
ዝኣመሰለ ንጥፈታት
ተጊሁ
ይዋሳእ
ከም
ዝነበረ
ካብቶም
ውሑዳት
ኣብቲ
እዋን’ቲ
ተመሃሮ
ዝነበሩ
መንእሰያት
ክፍለጥ
ይከኣል።
ስለዚ፡ ተስፋዝጊ ሓደ
ካብቶም ኣብ
ማሕበር
ሰራሕተኛታት
ኤርትራ ብንጥፈት
ዝንቀሳቐሱ
ዝነበሩ
ብቀዳምነት ዝጥቀሱ ሰባት ሓደ ከም ዝነበረ ክንግንዘብ ንኽእል።
ተስፋዝጊ ካብዞም ኮፍ
ኢሎም ዘለዉ እቲ ብየማን ዘሎ እዩ። እቲ ቦታን፡
ግዜን፡
ኣስማት ናይቶም ካልኦትን ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ዝፈልጥ ሰብ እንተ’ልዩ
ክሕብረኒ እምሕጸን።
ተስፋዝጊ፡
ኤርትራ
ፈደራላዊ
መሰላታ
ክሕሎ፡
ማለት
ውሽጣዊ
ጕዳያታ
ባዕላ
ከተመሓደር፡
ኢትዮጵያ
ድማ
ኣብ
ውሽጣዊ
ጕዳይ
ኤርትራ
ኢዳ
ከይተእቱ
ኣበርቲዑ
ዝተቓለሰ
ወዲ
ሃገር
እዩ።
ኣብ
1959
ምስ
በርሀ
ዓንደሚካኤል፡
ሓሰን
ዓብደልቃደር፡
ዘሚካኤል
ዑቕባሚካኤልን
ተስፋይ
ረድኢን
ኮይኑ
ሓንቲ
ማሕበር
ፈደራላውያን
ትብል
ጕጅለ
ኣቚሞም
ብዕሊ
ዘይኮነ
ብሚስጢራዊ
ኣገባብ
ይንቀሳቐሱ
ነይሮም።
(ኣብ
መጽሓፍ
ተኪአ
በየነ
“ካብ
ሪቕ
ሕፍንቲ”
ገጽ
27
ተመልከት)
ሓደ ሰብ
ኣብ
ፍርዲ
ከይቀረበ
ንሰለስተ
ወርሒ
ብፖሊስ
ተታሒዙ
ክእሰር
ዘፍቅድ
ሕጊ፡
መጀመርያ
ብቀዳማይ
ሚኒስተር
ኤርትራ
ተድላ
ባይሩ
እዩ
ተወጢኑ።
ባይቶ
ኤርትራ
ስለ
ዘየጽደቖ
ድማ
ከም
ሕጊ
ኣይሰፈረን።
ኣብ 1951-52
ሸፋቱ
ስለ
ዝበዝሑ
ንዓኣቶም
ንምዕጋስ
ብዝብል
እማመ
እዩ
ተድላ
ባይሩ
ነዛ
ድሒራ
ከም
ኣርቲኮሎ
ዴቺ
እትፍለጥ
ዓንቀጽ
ከም
ሕጊ
ከጽድቓ ደልዩ።
ኣብቲ
እዋን’ቲ
ባይቶ
ተዛማዲ ናጽነት
ስለ
ዝነበሮ
ግን
ነጺጉዎ።
ብዝኾነ ቀዳማይ
ሚኒስተር
ተድላ
ባይሩ
ኣብ
ስልጣን
ነዊሕ
ኣይጸንሐን
ብቢተወደድ
ኣስፋሃ
ወልደሚካኤል
ተተኪኡ።
ካብ 1955-1956
ኣትሒዙ
ብሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ዝተወደበ
ኣንጻር
መንግስቲ
ዝቐንዐ
ተቓውሞን
ሰላማዊ
ሰልፍን
ምስ
በዝሐ፡
ንተቓወምቲ
ንምርዓድ
ተባሂሉ ባይቶ ኤርትራ
ንመራሕ
መንግስቲ
ቢተወደድ
ኣስፋሃ
ወልደሚካኤል
ኣርቲኮሎ
ዴቺ
እትብል
ዓንቀጽ
ከጽድቕ
ኣፍቀደሉ።
ባይቶ
ኤርትራ
ኣብዚ
እዋን
ምፍቃዱ፡
መንግስቲ
ኢትዮጵያ
ኣብ
ውሽጢ
ባይቶ
ኤርትራ
ድሮ ጽልዋኡ ከሕይል
ከም ዝጀመረ
ዘመልክት
ተርእዮ
እዩ
ነይሩ።
ኣብ 1960
ዝተወስደ
ስእሊ ህንጻ
ባይቶ ኤርትራ
ተስፋዝጊ
ክፍለ
ከም
ግዳይ
ኣርቲኮሎ
ዴቺ (Articolo Dieci)
ኣርቲኮሎ ዴቺ ብኣመሓዳሪ ኣካል
(executive) ተማሂዙ ብባይቶ
(parliament) ድማ ጸዲቑ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ግን ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ኣዛዚ ፖሊስ
ኤርትራ እዩ ነይሩ። ትሕዝቶ ናይ ኣርቲኮሎ ዴቺ ድማ መንግስቲ፡ ንሓደ ሰብ ንሰለስተ ወርሒ ናብ ቤት ፍርዲ ከየቕረበ ክኣስሮ
ፍቓድ ዝህብ ዓንቀጽ ነይሩ። ንኣብነት ኣብቲ እዋን’ቲ ኮሎነል ዝነበረ ተድላ ዑቕቢት ከም ተቓዋሚ እንተ ጠርጢሩካ ጥራይ፡ ወላ
ኣብ መንገዲ ሒዝኩም እሰሩዎ ብምባል ብመሰረት ኣርቲኮሎ ዴቺ ንሰለስተ ወርሒ ብዘይ ፍርዲ ክዳጕነካ ይኽእል። መራሕ መንግስቲ
ቢተወደድ ኣስፋሃ ወልደሚካኤል’ውን ከምኡ። እታ ሕጊ ንሰለስተ ወርሒ ማእሰርቲ ጥራሕ እያ ትብል፡ ይኹን’ምበር እንተ ደልዮም ካብ
ቤትማእሰርቲ
ትወጽኣሉ ግዜ ኣኺሉ ከሎ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤትማእሰርቲ ኣብጽሕ ኣቢሎም “ማእሰርቲ ተወሲኹካ
ኣሎ” ብምባል ኣብኡ ከብልዩኻ ምሉእ ስልጣን ከም ዝነበሮም ይፍለጥ።
እዛ ኣርቲኮሎ ዴቺ እትብሃል ዓንቀጽ፡ ካብ 1955 ክሳብ 1962 ኣብ ዝነበረ እዋን’ያ ኣብ ግብሪ ውዒላ። እዚ
ዓራይ ጫማ (ካልሶላዮ) ዝነበረ ኤርትራዊ ብመሰረት ኣርቲኮሎ ዴቺ እቲ ብተደጋጋሚ
ዝበዝሐ
ዝተኣስረ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብሉ ናይቲ እዋን ተመሃሮ ኮይኖም፡ ኣብ ፖለቲካዊ
ምንቅስቓስ ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰባት ይግምቱ። ተስፋዝጊ ክፍለ ካብ ቤትማእሰርቲ ወጺኡ ኣብ ገዝኡ ከይበጽሐ ከሎ ዳግማይ ኣብ መንገዲ
ኣሲሮም ዝመለሱዎ ብርክት ዝበለ እዋናት ነይሩ።
ተስፋዝጊ ፍሽኽ ክብል ከሎ እዘን ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ብወርቂ ዝተሰርሓ ምዃነን ትዕዘብ። ሎሚ ኣብ ሽወደን ከተማ
ስቶክሆልም ነባሪ ዝኾነ ንተስፋዝጊ ጽቡቕ ገይሩ ዝዝክሮ ኣማኑኤል ተስፋጽዮን፡ “ምናልባት ተስፋዝጊ ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዝእሰረሉ
ዝነበረ እዋን ብማህረምቲ ናይ ፖሊስ ኣስናኑ ስኢኑወን ይኸውን” ዝብል ግምት ኣለዎ። እታ ቀንዲ ግዳይ ኣርቲኮሎ ዴቺ ኮይኑ
ዝእሰረላ ዝነበረ ቤትማእሰርቲ ቀደም ብስም ቼንትሮ እትፍለጥ ኣብ ጥቓ ባር ተቨረ ዝነበረት ኣብዚ እዋንዚ ድማ ብስም ካልኣይ
መደበር እትፍለጥ እያ። (ስእሊ ተመልከት)
ማእከላይ ገበን መርመራ (ቼንትሮ) ንተስፋዝጊ ካልኣይ ገዝኡ
ዝነበረ።
ተስፋዝጊ ክፍለ ዕላማ ዝነበሮ
ሰብ ኮይኑ፡
ነቲ ጽንኵር
ግዜ
ብውልቂ ጥቕሚ ወይ ብፍርሒ ወይ ብተግሳጽ ናይ ሰበስልጣን ዝነበሩ ካብ ዕላማኡን እምነቱን ፈልከት ከይበለ
ሓሊፉዎ። ሓደ ኣብ ሃገር ኖርወይ
ዝነብሩ ንተስፋዝጊ ዝፈልጡዎ ዝነበሩ ነዚ ዘረጋግጽ ዛንታ ነጊሮምኒ ኣለዉ። ሓደ
ብዓል ስልጣን ዝነበሩ ኤርትራዊ ነቲ ተስፋዝጊ
ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቃስ ደው ከብሎ ምዕዶ ከም ዝወፈዩሉ ነጊሮምኒ። እቶም
ብዓል ስልጣን ንርእሶም ካብቶም ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ
ክትሕወስ የብላን ዝብሉ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ዳሕራይ ግን ዓቢ ስልጣን ምስ ተዋህቦም ኣብ
ጐድኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ዝበለ ሰብ’ዮም ነይሮም። ተስፋዝጊ ነቲ ምዕዶ ነጺጉዎ
ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይቶም
ሰብኣይ
ዓቢ
መርገጺ
ምቕያር ተገሪሙ፡ “ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር የብላን፡
ብኤርትራውያን ትመሓደር
ናጻ ሃገር ክትከውን
ኣለዋ ትብሉ ከም
ዘይነበርኩም
ደኣ ሕጂ እንታይ
ኴንኩም
ተለዊጥኩም?”
ክብል ሓቲቱዎም።
ንሶም
ድማ፡ ”ኣይትዓሹ፡
ሕጂ
ግዜ
ተቐይሩ
እዩ
ምስ
ግዜ
ድማ
ክንቅየር
ክንክእል
ኣለና፡”
ኢሎሞ ይብሃል።
እንተኾነ
ተስፋዝጊ፡ ”ሰብ
ጥቕሚ
ጥራሕ
እዮም
ዝቀያየሩ’ምበር
ሰብ
ዕላማ
ክቕየሩ
የብሎምን፡”
ዝብል መልሲ ብምሃብ
ነቲ
ቤትጽሕፈቶም
ገዲፉዎ
ወጺኡ።
እቲ ብተደጋጋሚን ብጭካኔ
ዝመልኦ ዘሕለፎ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነቶም ቤተሰቡ ብዙሕ
ጓሂ
ፈጢርሎም
ነይሩ
እዩ።
ሓደ
እዋን
ሓሚሙ
ካብ
ካርሸሊ
ናብ
መካነ
ህይወት
ሆስፒታል
ኣትዩ
ኣብ
ዝነበረሉ
ግዜ
ስድራ
ቤቱ
ክበጽሕኦ
ምስ
ከዳ
ክልተ
እግሩ
ብሰንሰለት
ተኣሲሩ
ምስ
ረኣይኦ
ብዙሕ
ከም
ዝጐሃያ
ይገልጻ።
እታ
ዝነበራ
ሸላ (prison
cell) ምስማርን ናይ ኤለክትሪክ ኣግማድን መሊኡዋ
ከም ዝነበረ
ይገልጻ። ኣደኡ ንተስፋዝጊ ወይዘሮ ኣምለሱ ወልደገርግስ
“ንወደይ ካብ ምውላድ ዕንቅፋት ዝኾኖ ተድላ ዑቕቢት እዩ”
ኢለን ኣብቲ
እዋን ኣምሪረን ይዛረባ ነይረን።
ፖሊስ ንተስፋዝጊ ስለምንታይ ይኣስሩዎ ከም ዝነበሩ ንስድራቤቱ ኣይነግሩዎምን እዮም ነይሮም። ከምቲ
ኣብቲ እዋን ልሙድ ዝነበረ ተስፋዝጊ እንተኾነ’ውን ብዛዕባ እቲ ብዕሊ ይኹን ብምስጢር ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቃስ
ንስድራቤቱ ኣየካፍሎምን’ዩ ነይሩ።
ኣብ
መወዳእታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ፡
ካብ ከተማ ኣስመራ ከይወጽእ ኣብ
ኩላተን ብሎኮታት ዝነበሩ ፖሊስ ከም ዝተሓበሩ ስድራ ቤቱ
ይነግራ። ናይ ሰብኣይ ሓውቱ ቀብሪ ካብ ብሎኮ ደቀምሓረ ከም ዝመለሱዎ’ውን ይገልጻ። ንሱ ምስ ተመልሰ መራሒ ስኢነን እተን ካልኦት
ኣሕዋቱ’ውን ነቲ ዓዲ ስለ
ዘይፈልጦኦ፡
እቶም ቀበርቲ ሬሳ ሒዞም
ናብ ኣስመራ
ስለ ዝተመልሱ ሬሳ ኣብ
መቓብር ገጀረት ከም
ዝተቐብረ ይሕብራ።
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ሃይማኖተኛ
ተስፋዝጊ ክፍለ ሃይማኖቱ ከኒሻ ኮይኑ
ኣባል ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ’ዩ ነይሩ።
ቤትዕዮኡ ኣብ ድሕሪ ቀጽሪ ካቴድራለ ፊት ባር ኮርሶ ትርከብ ዝነበረት ኮይና
ካብ ሲነማ ዳንተ ርሕቕቲ ኣይነበረትን። ንሱ
ሳእኒ እናኣዐረየ ከሎ ዓው ኢሉ
ምዝማር የዘውትር ነይሩ። እቲ ዝዝምሮ ዝነበረ
መዛሙር ድማ ካብ መዝሙር ሰላም’ዩ ነይሩ። መዝሙር ሰላም ብገለ ኤርትራውያንን ሽወደናውያንን
ዝተዳለወ መዛሙር ኮይኑ፡
ገለ ካብኡ ሓድሽ
ዝተጻሕፈ
ገለ ድማ ዝተተርጐመ
ነይሩ። መዛሙር
ተስፋዝጊ
ንኹላቶም ዓማዊል፡
ጐረባብቲ ሰብ ድኳንን
ሓለፍቲ
መንገድን
ይስሕቦም
ነይሩ።
ጠጠው
ኢሎም
ድማ
ይሰምዑዎ
ነይሮም። ዝተፈላለየ
ዓይነት
ሃይማኖታት
ዝነበሮም ሰባት በቲ መዛሙሩ
ይምሰጡ ከም ዝነበሩ ድማ ይንገር። ተስፋዝጊ ናብ
ቤተክርስትያን
ብዘይ ምቍራጽ
ዝመላለስ፡ ኣከዳድናኡ
ኣመና ጽፉፍ
ግብሩን ትርኢቱን
ኣዝዩ
ግሩም ሰብ ከም ዝነበረ ዝዝክሩዎ
ሰባት ይዛረቡ። ካብቶም
ኣሕዋቱን ኣሓቱን
ትምህርቲ
ወንጌል ወሲዱ
ሃይማኖት ከኒሻ ዝተቐበለ ተስፋዝጊ ክፍለ ንበይኑ ጥራይ ነይሩ።
ካብቲ ዝዝምሮ ዝነበረ መዛሙር
ቍሩብ
ክንርኢ ከለና ንኣምላኽ
ውዳሴን ምስጋናን ልመናን ዝሓዘ
ከም ዝነበረ ክንግንዘብ ንኽእል።
ንሱ
ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ
ንጡፍ ተሳታፍነት ስለ ዝነበሮ፡
ንኣምላኽ ኣብ ጐድኒ
ህዝቢ ኤርትራ
ክኸውን ይልምኖን እምነቱ ይገልጸሉን
ነይሩ። እዚ
ኣብነት’ዚ
እዩ
ከኣ
ንተስፋዝጊ ፍሉይ ኤርትራዊ ምንባሩ ዘረጋግጸልና።
ኵሉ’ኳ እንተ
ዘይተባህለ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ኣብ
ኩላተን ሃይማኖታት ኣማኒ ዝኾነ
ንሃይማኖቱ ይኹን
ንእምነቱ ኣወንዚፉ
ዓቕሙ ኣብቲ ባዕሉ ክገብሮ
ዝኽእል ጥራይ ኣተኲሩ’ዩ ዝነብርን ዝቃለስ ነይሩ።
እንተኾነ ተስፋዝጊ ክፍለ ኣብቲ ሒዙዎ ዝነበረ
ጐደና
ፖለቲካዊ ቃልሲ ንበይኑ ኣይኮነን ነይሩ። ካብቶም ብቓልሶምን እምነቶምን ደላዪ ፍትሒ ዝነበሩ ኣቦ ሃገረ ኤርትራ
ዝኾኑ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ጽልዋ ከም
ዝነበሮ ክንርኢ ንኽእል። ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም
ፖለቲካዊ ቃልሲ ጥራይ
ኣይኮነን
ዘካዪዱ ነይሮም።
ቋንቋ ትግርኛ
ምምዕባል፡
መራኸቢ
ብዙሓን ብግቡእ ምጥቓም፡
ንመሰል
ሰራሕተኛታት ምጥባቕ፡
ኵሉሳዕ
ካብ ፈጣሪኻ ከይተኣለኻ ምጓዓዝ ካብቲ መለለዪኦም ዝነበረ ዓቢ ክእለት እዩ። ብወገነይ ተስፋዝጊ ክፍለ ዓቢ ጽልዋ ናይ
ኣቦይ ወልደኣብ ከም ዝነበሮ ጥራየ’የ
ክግምት ዝኽእል። ነዚ ግምት እዚ
ሓቅነት ዘልብሶ ድማ እዚ ዝስዕብ ቃል ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም
ምስ እነንብብ እዩ። እቲ ቃል ዝተዋህበ ድሕሪ ኤርትራ
ናጽነት
ምርካባ እዩ። ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ዝኾነ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ: ኣንጻር ኣዝዩ ዓቢ ጸላኢን ደገፍ ሓያላን ሃገራት ዘይሓረሞን
ከካየድ ከሎ፡
ኣቦና
ወልደኣብ ወልደማርያም ካብታ እምነት ናይ ፈጣሪኦም ነቀይ ከይበሉ ከም
ዝሓለፉዋ
ካብ ቃሎም ንረኽቦ።
(ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእልን ቃልን ኣቦይ ወልደኣብ ርአ።
ስድራቤት ተስፋዝጊ ድማ ነቲ ግምተይ ሓቂ ዝገብሮ ዛንታ ነጊረናኒ። ተስፋዝጊ ምስ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብቲ ፖለቲካዊ
ስራሓት ናይ ቀረባ ርክብ ከም
ዝነበሮ ይሕብራ። ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ፈተነ ተገይሩ ነቲ ዓዲ ምስ ገደፉዎ፡ ተስፋዝጊ ድሃይ ስድራቤቶም ይከታተል ከም ዝነበረ
ቈልዑ
ክሓሙ ከለዉ ድማ ሓኪም ናብ ገዛ የምጽኣሎም ከም ዝነበረ ዘውዲ
ጓሉ
ትገልጽ። ከምኡ ዝገብር ዝነበረ ድማ ናብ ሆስፒታል እንተ ኸይዶም እቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ ተቓወምቶም ከይተናዀሉዎም
ይፈርህ ስለ
ዝነበረ
ምዃኑ
ትገልጽ።
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ኣስራሒን
ከም
ተዋሳኢ ኣብ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታትን
ተስፋዝጊ ክፍለ ዋና እታ ትካል ጽገና ጫማ ብምንባሩ፡ ኣብታ ከም ቈልዓ ከለኹ ዝዝክራ
ትካሉ ንሱ ዘስርሖም ሰራሕተኛታት ነይሮሞ እዮም። ስለዚ፡ በደረጃ ኣስራሒ (employer) እዩ ክርአ ዝኽእል። ሽሕ’ኳ
እቲ ተቓውሞ ዘርእዮ ዝነበረ ኣብ ፖለቲካ ዝሰረተን ዝዓለመን እንተኾነ፡ ተስፋዝጊ ከም ተዋሳኣይ ኣብ ጐድኒ ናዕቢ
ሰራሕተኛታት ፍሉይ ከም ዝገብሮ ንግንዘብ። በዚ ናይ ሎሚ እዋን ኣገባብ ዝምድና ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ክርአ ከሎ
ምናልባት ተስፋዝጊ እቲ ናዕቢ ናይ ሰራሕተኛታት (Worker’s strike) ንዑኡ ከም ዘይምልከቶ ገይሩ ምረኣዮ ነይሩ። ካልእ
ናይ ፖለቲካ መቃለሲ መዳይ ከናዲ’ውን ምኸኣለ ነይሩ። ከም ዋና ትካልን ኣስራሒን ምናልባት ኣንጻር እቲ ምንቅስቃስ ናይ
ሰራሕተኛታት ደው ምበለ ወይ ድማ ኣብ ኩሉ ከይተኻፈለ ምተረፈ።
ተስፋዝጊ ካብዞም ኮፍ ኢሎም ዘለዉ እቲ ካልኣይ
ብየማን ዘሎ እዩ። እቲ ቦታን ፣ ግዝየን ፣ ኣስማት ናይቶም ካልኦትን
ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ዝፈልጥ ሰብ እንተ’ልዩ ክሕብረኒ እምሕጸን።
እንተኾነ ተስፋዝጊ ብብዙሕ ወገናቱ ፍሉይ ሰብ ስለ
ዝነበረ፡
ኣስራሒ
ክነሱ
ኣብቲ ናይ ሰራሕተኛታት ናዕቢ
ዓቢ ተራ ከም
ዝነበሮ ንርኢ። እቲ
ኣብ 1958 ዝነበረ
ናይ ሰራሕተኛታት
ናዕቢ
ኣብ
ኣጀማምራኡን መልክዑን ብማሕበር ሰራሕተኛታት
ነይሩ’ምበር ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ እዮም ነይሮሞ። እቲ
ቀንዲ
ዕላማ ናይቲ ናዕቢ ኣንጻር’ቲ
ንጉስ ሃይለስላሴ ዝገብሮ ዝነበረ
ምፍራስ
ፈደረሽን፡
ብኡ ጌርካ ድማ ንኤርትራ ምስ
ኢትዮጵያ ምጽንባር
ዝዓለመ ምንባሩ ንጹር
ነይሩ። ካብቶም ተሳፍቲ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት መንእሰያትን ተመሃሮን
ነጋዶን ከምዝነበሩ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ይሕብሩና።
ተስፋዝጊ
ካልእ
መዳያት
ናይ
መቃለሲ
ኣይምሰኣነን
ነይሩ።
እንተኾነ
ነቲ
ተቓውሞ
ከደልድሎ
ዝኽእል በቲ
ተጠርኒፉ
ዝነበረ
ማሕበር
ሰራሕተኛታት
ኮይኑ
ስለ
ዝረኣዮ
ክኸውን ይኽእል
ኢልካ
ንምግማት ይከኣል።
ብተወሳኺ
እቲ
ዝነበሮ
ውዕዉዕ
ፍቕሪ
ሃገርን
ኣብ ፈጣሪኡ ዝነበሮ
ድልዱል
እምነትን
ኣብ
ዝኾነ
ኣትዩ
ክቃለስ
ጸገም
ኣይነበሮን።
ተስፋዝጊ
ብዅሉ
ወገናቱ
ፍሉይ
ሰብ
ከም
ዝነበረ
ንምርዳእ
ዘጸግም
ኣይኮነን።
ሲነማ ዳንተ
ኣድራሻ ትካል ተስፋዝጊ ኣብ ጥቓ ባር ኮርሶ ፊት ንፊት ሰዳው ዘሎ ቦታ እዩ ነይሩ። (ኣብ ዝቕጽል ገጽ ዘሎ
ስእሊ ተመልከት)
መሓበሪ ፍላጸ ዘርኢ ቤት ዕዮ ተስፋዝጊ ካልሶላዮ ዝነበረ
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ዘማራይ
ተስፋዝጊ ኣብ ስራሑ
ሳእኒ እናኣዐረየ ከሎ ዓው ኢሉ
ምዝማር የዘውትር ነይሩ። እቲ ዝዝምሮ ዝነበረ
መዛሙር ድማ ካብ መዝሙር ሰላም’ዩ ነይሩ። መዝሙር ሰላም 300 ኣቢሉ ዝኸውን መዛሙር ዉዳሴን: ምስጋናን: ፍቕሪ እግዚኣብሄርን: ምምጻእ
ክርስቶስን: ምድሓንን: ንስሓን: ስንብታን: ሰማይን ሞትን ወዘተ ዘለዋ ናይ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን መጽሓፍ ዜማ እያ።
እንዳሰርሐ ዓው ኢሉ ክዝምር ከሎ ኩላቶም ዓማዊልን፡
ጐረባብቲ ሰብ ድኳንን
ሓለፍቲ
መንገድን
ጠጠው
ኢሎም
ይሰምዑዎ
ነይሮም። በቲ
ዝዝምሮ ዝነበረ ብዙሓት ዝተፈላለየ
ዓይነት
ሃይማኖታት
ዝነበሮም ሰባት
ይምሰጡ ከም ዝነበሩ ይንገር።
ስራሑ ዓጽዩ ናብ ገዝኡ ክኸይድ ከሎ ድማ መብዝሕትኡ
ግዜ ኣጋ
ምሸት ኣብ እግረ
መንገዱ
ናብ
ዝርከባ ገዛውቲ ናይ ደቂ ማሕበር ተኣልዩ ምስቶም ደቆም ዓው ኢሉ ይዝምር ነይሩ። ነቶም ወለዲ ድማ ባዕላቶም ክዝምሩ፡
ነቶም ደቆም ድማ ብመደብ ከዘምሩዎም ይመኽሮም ከም ዝነበረ
ይንገር። ኣነ’ውን ኣብ ሓደ ስድራቤት ጋሻ ኮይነ ናብ ኣስመራ
ምስ መጻእኩ
ናብቲ ገዛ መጺኡ
ከዘምረና ይዝክረኒ።
ተዝፋዝጊ ክፍለ ብርቱዕ ፍቕሪ ሃገር ዝነበሮ ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን ነይሩ። ማዕረ ማዕረኡ ብርቱዕ እምነት ናይ ፈጣሪ
ነይሩዎ። ሓደ ዝተሸገረ ህዝቢ፡
ሓደ መሰሉ ዝሰኣነን ሓያላት ዓዱ ዘሕደጉዎን
ህዝቢ፡
ሓይልን ጽንዓትን ካብ ፈጣሪኡ ከም ዝረክብ ብርቱዕ እምነት
ነይሩዎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ
ኣምላኽ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ብመዝሙር ይውድሶን ይልምኖን ነይሩ። ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ቤትማእሰርቲ ካብ ኣምላኹ ኣይፍለን
እዩ ነይሩ።
ቤትማእሰርቲ ንተስፋዝጊ ክፍለ ዳርጋ ካልኣይቲ ገዝኡ እያ ነይራ። ኣርቲኮሎ ዴቺ ዝበሃል ፍሉይ ፍቓድ ንፖሊስ ን89
መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ከየቕረቡ ድላዮም ክኣስሩ ተዋሂቡዎም ስለ ዝነበረ፡
ተስፋዝጊ ክፍለ ምናልባት
ኣብቲ እዋን’ቲ በዛ
ዓንቀጽ
እዚኣ
ብብዝሒ
ዝተኣስረ ኤርትራዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ተስፋዝጊ ክፍለ ወርትግ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከሎ ብመስኮት ተቐልቂሉ ዓው ኢሉ ይዝምር
ነበረ
ኣብ ቤትማእሰርቲ ድማ ጽሓይ ዕራርቦ ምስ
ኮነ፡ ማለት ሰዓት 6 ናይ ምሸት ዓው ኢሉ ይዝምር ነይሩ። ዓበይቲ ይኹኑ መንእሰያት፡ ክርስትያንን ኣስላምን እሱራት ጽን ኢሎም
ይሰምዑዎ ነይሮም። እቶም ዋርድያ ናይ ቤትማእሰርቲ (ድጓና) እንተኾነ’ውን ጽን ኢሎም እዮም ዝሰምዑዎ ነይሮም። እቶም ፖሊስ
ይኹኑ እቶም ካልኦት እሱራት ነቲ መዛሙር እናለመዱዎ ምስ ከዱ ባዕሎም ይዝምሩዎ ከም ዝነበሩ ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት
ክሕብሩኒ ክኢሎም ኣለዉ። ኣማኑኤል ተስፋጽዮን ሎሚ ኣብ ሃገር ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ዝነብር፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ባዕሉ’ውን
ተኣሲሩ ስለ ዝነበረ ገለ ካብተን ኣዝዩ ዝዝምረን ዝነበረ መዛሙር ዘኪሩ ነጊሩኒ ኣሎ። ኣብዚ ታሕቲ ድማ እቲ ድርሰትን
(lyrics) እቲ ዜማዊ ፊደላትን (notes) መዛሙር ኣስፊረዮ ኣለኹ። ኣብ ታሕቲ ተመልከት።
ኣብ ታሕቲ ዝርአ ዘሎ
ቅዳሕ ናይ ቀዳማይን መጨረሻን ገጽ ናይ መዝሙር ሰላም እዩ። መዝሙር ሰላም 250 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ኮይና ብፊደላት ተራ
ዝተዘርዘረ መሓበሪ ገጻት ኣለዋ። ከምኡ’ውን ሓባሪ ዝርዝር ምድብ (index) ዘለዋ ኮይና እቲ መዛሙር ኣብ
እዋን ልደት፡
ፋሲካ፡
ሕማማት፡
መርዓን ጥምቀትን፡
ሰማይን ሞትን ወዘተ ዝዝመር ኣለዋ። ኣብ ኩሉ ቤተክርስትያናት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ
ዝጥቀሙላ መጽሓፍ መዛሙር እያ።
እታ ሻዱሸይቲ ሕታም ናይ መዝሙር ሰላም ብ1974 ዓመተ ምሕረት ኣብ ከተማ ኣስመራ ተሓቲማ። 306
መዛሙር ዝሓዘት መጽሓፍ
ኮይና
ስም ደራሲ ናይ ነፍስወከፍ መዝሙር ብኣሕጽሮት ኣብ ትሕቲ መዝሙር ተጠቒሱ ይርከብ። ኣቦና
ወልደኣብ ወልደማርያም ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ትምህርቲ ወንጌል ዝወሰዱ ብምዃኖም
ቋንቋ
ትግርኛ ድማ ኣጸቢቖም
ዝመልኩዎ
ጥራይ
ዘይኮኑስ ዘማዕበልዎ ዕዙዝ ስነጥበባዊ ስለ
ዝነበሩ ከም ደራሲ ናይ
ገሊኡ መዛሙር ይጥቀሱ እዮም።
Tselmat keyikebeni
yesus krebeni
Halaw leyti ayen gizie ina zelona
ተስፋዝጊ ክፍለ ከም ፍቱው በዓል ዝና
ተስፋዝጊ ክፍለ
ብፖለቲካዊ ምንቅስቓሱን በቲ ዘስዓበሉ ብዝሒ ማእሰርትን፡
ሰብ ብዙሕ ይፈትዎን ይንእዶን ይድንግጸሉን ነይሩ። ሓንቲ
ሓበሬታ
ካብ ሓደ ኣብ ሽወደን ዝነብር
ኤርትራዊ ዝረከብኩዋ
ነዚ
ክተረጋግጸልና ትኽእል። “ኣብ ገዛና ዝነበረ ሰርቪስ
ገዛውቲ ተኻርዩ ይነብር ነይሩ።
ኣነ
ንእሽቶ ኮይነ ገዛ ክራይ ክእክብ ተላኢኸ ክኸይድ ከለኹ፡
ኣደይ ካብ ሰይቲ ተስፋዝጊ ክራይ ገዛ ከይተምጽእ ትብለኒ ነይራ። ስለምንታይ ምዃኑ ኣይርድኣንን ነይሩ።
ሓደ መዓልቲ ግን ነደይ ስለምንታይ ክኸፍሉ ከም
ዘይትደልዮም ምስ ሓተትኩዋ ከምዚ በለትኒ፡
“ናብራኡ
ኣብ ቤትማእሰርቲ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡
ካበይ ኣምጺኦም ክኸፍሉ?
ስለዚ ካብኣቶም ገዛ ክራይ ኣይተምጽእ።” እዚ ዓቢ ምስክርነት
እዩ። ኤርትራዊ
ብሕልፊ ኣብቲ
እዋንቲ
ክንዲ
ምንታይ ይተሓላለን ይተሓጋገዝን ከም ዝነበረ ይሕብረና። ክሳብ ገዛ ክራይ ዝኣክል ምሕረት
ክግበረሉ ዝኸኣለ ምናልባት ተስፋዝጊ ክፍለ ጥራይ
እዩ ነይሩ ዝኸውን።
ተስፋዝጊ፡
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብዙሕ ዘይርአ ናይ ረዘንትን ለባማትን
ሰባት ጠባይ
ከም
ዝነበሮ ኣብዚ ቀረባ
እዋን ሓበሬታ ረኺበ ኣለኹ። እቲ ነዚ
ሓበሬታ እዚ
ዝሰደደለይ ሰብ’ውን
ኣብ ሃገር ሽወደን ዝነብር ሰብ እዩ። ንተስፋዝጊ ክፍለ ኣጸቢቑ ከም ዝፈልጦ ገሊጹ ሓንቲ ዝዘከራ ጽብቕትን
ፍልይትን ጠባይ ናይ
ውርዝና ዝነበረቶ ጽሒፉ ሰዲዱለይ ኣሎ። ኣብ ስድራቤት ተስፋዝጊ
ብመውስቦ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝውለዱ ሰባት ነይሮም እዮም። ኣብቲ ተስፋዝጊ ዝገብሮ ዝነበረ ፖለቲካዊ
ምንቅስቃስ ምናልባት ዘይድግፉዎ
ክኾኑ ይኽእሉ ነይሮም ይኾኑ።
እንተኾነ ኣብ
ኵሉ እቲ ምንቅስቃሱ ከይተቓወሙዎን
ከይጸልኡዎን ሓሊፎም። እቲ ውርዝና ብኽልቲኡ ወገን እዩ ነይሩ። ተስፋዝጊ ክፍለ
ድማ ተቓውሞ ናይ እንታውነቶም ይኹን ነቲ ናቱ ዕላማ ብዕቱብ ዘይደገፍዎ ኢሉ ናይ ጽልኢ ገጽ ከይርኣየን ከይተበኣሶምን ሂወቱ
ሓሊፋ።
ካብ 1955 ክሳብ 1962 ኣቢሉ ብምኽንያት እቲ ፍሉይ ጠባያቱ፡
ትብዓቱን
ተወፋይነቱን ኣብ ከተማ ኣስመራ
ብዛዕባ ተስፋዝጊ ካልሶላዮ ብዙሕ
ይዝረብ ነይሩ እዩ። ብሓጺሩ በዓል ዝና እዩ ነይሩ።
ኵሉ ሳዕ ክዳውንቱ ጽቡቕን
ጽፉፍን
(elegant) ጽሩይን ከም ዝነበረ’ውን ይንገር። ከምቲ ናይ ትግርኛ
ቋንቋ
ኣገላልጻ፡ “ካብ ግብሩ ትርኢቱ ካብ ትርኢቱ ግብሩ” ዝድነቕ ሰብ’ዩ ነይሩ።
|
|
------ ተፈጸመ
------
ኣፍልጦ / ምስጋና
|
መ ዘ ከ ር ታ
እዛ ጽሕፍቲ ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ ጀጋኑ ሃገርና ንዘክሮም
ዝብል ወፍሪ/ጎስጓስ ክፋል እያ። እቲ ዕላማን ምዕባለን ናይዚ ወፍሪ ብዝርዝር ንምፍላጥ ኣብ መርበብ ሓበሬታ
www.emnetu.com ኣብ ክፍሊ biographies (ታሪኽ ህይወት ሰባት) ኣቲኹም ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ፍሉያት ዎልቀሰባት ኤርትራውያን ሓበሬታ ብጽሑፍ ከቕርብ ዝደሊ ሰብ እንተ’ልዩ ድማ ኣብዚ
ወፍሪ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ክቑጸር እዩ። ግዝፊ ናይቲ ጽሑፍ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ዕላማናን ሓላፍነትናን እቶም
ጀጋኑና ከም ዘይርስዑ ምግባር ጥራሕ እዩ። ብዛዕባ ዝኾነ ኤርትራዊ ሓበሬታ ኣሎኒ ዝብል ሰብ ሓበሬታ ከቕርብን ታሪኽ
ህይወቱ/ታ ክጽሕፍን ይኽእል እዩ። ዝኾነ ኤርትራዊ ነዛ ሃገርና ወይ ነቲ ህዝብና ወይ ነቲ ባህልና ጽቡቕ ኣበርክቶ
ገይሩ/ራ ዝበሃል ታርኽ ህይወቱ ክጸሓፍ የተባብዕ። ብመጀመርታ ግን ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት እንተተመዝጊቡ ዝበለጸ
እዩ። ምኽንያቱ ድማ ክልተ ደረስቲ ከይተፋለጡ
ናይ ሓደ ሰብ እንተጽሒፎም ግዜ ከይባኸን ብምባል እዩ። እቲ መድረኽ ዝርዝር ኣስማት ንኹሉ ስም ከእቱ ዝደሊ ክፉት
እዩ።
|